• Public transport in Australia: breaking down the basics - Public transport in Australia: breaking down the basics
    Jan 27 2026
    Like in most countries, public transport in Australia is the cheapest way to get around. It includes trams, buses, trains and ferry services. And each state or territory has its own transport network. However, navigating Australia’s public transport system with ease requires knowing the basics around how it works and what to expect. - ልክዕ ከም ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጓዓዓዚያ በቲ ዝሓሰረ መንገዲ ኣገልግሎት ጉዕዞ ዝግበረሉ ። እቲ ኣገልግሎት ናይ ትራም ፣ ናይ ኣውቶቡሳት ፣ ባቡራትን ናይ ጀላቡ ወይ ፈሪ ኣገልግሎታትን የጠቓልል ። ከምኡ 'ውን ነፍሲ ወከፍ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶርይ ናይ ባዕሉ ናይ መጓዓዝያ መርበብ ኣለዎ ። ይኹን "ምበር ንናይ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጎዓዚያ ብቕልል ዝበለ መንገዲ ምድህሳስ ኣብ ከመይ ከምዝሰርሕን እንታይ ከምዝጽበይን መሰረታዊ ነገራት ምፍላጥ የድሊ ።
    Show More Show Less
    11 mins
  • ክብረ ወሰን ዝሰብር ሓያል ሙቐት ንኣውስትራሊያ የንድዳ፡ ሎሚ መልበርን 44 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ብዝበጽሕ ሙቐት ክትልብለብ'ያ። (ሓጸርቲ ዜናታት ኤ ቢ ኤስ ትግርኛ 27 ጥሪ 2026)
    Jan 26 2026
    ክብረ መዝገብ ዝሰብር ሓያል ሙቐት ን ኣውስትራሊያ የንድዳ፡ ሎሚ መልበርን 44 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ብዝበጽሕ ሙቐት ክትልብለብ'ያ። እስራኤል ንሬሳ ናይቲ ኣብ ጋዛ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ረኺባቶ፡ ኣብ ሚኒሶታ ብወተሃደራት ፈደራል ኣመሪካ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት መራሕቲ ደሞክራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደተኛታት ዝግበር ግፋ ስለዝቃወሙ ዘለዉ እዮም ክብል ምምሕዳር ትራምፕ ጠቂኑ።
    Show More Show Less
    7 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026)
    Jan 26 2026
    ን ሎሚ 26 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ወቕትታት ሓጋይ ኣውስትራልያ ተመራመርቲ 'ምሉእ መስርሕ ምቕያር' ወይ 'ቶታል ትራንስፎርሜሽን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይሓልፉ'ለዉ፣ ካብ ትካል ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ እዛ ሃገርና ድሕሪ ደጊም ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ማዕበላት ሙቐት ክትጽበ ኣለዋ ክፍል ደምዲሙ። ተመራመርቲ'ዚ መጽናዕቲ ይብሉ ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ዝልብልብ ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ክኽሰት ዘነበሮ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ርጉጽ ክኸውን ገይርዎ፣ ናብ'ዞም ዝተለወጡ ኩነታት ድማ እዛ ሃገር ብህጹጽ ምቅይያራት ክትገብር የድልያ'ሎ። ብምኽንያት መዓልቲ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር፡ ብዛዕባ ኣልኮልን ድራግን ኪኢላ ዝኾነ ኣቶ ኣል ኣዛር ዝገበርናዮ ዕላልልን ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዩኒቨርስቲ መቐለ ከምህሮም ዝጸንሐ ቻይናውያን ዝርከቡዎም ተምሃሮ ኣመሪቑ። ሓዳሽ ሚንስተር ትምህርቲ ኤርትራ ወግዓዊት ኮይና። ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ከካይድ ዩ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኤርትራ ንደገፍቲ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ከሲሱ። ጥምረት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዘይንጹር ንዝበሎ ዲጂታላዊ ስርዓት ምርጫ ነጺጉ። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።
    Show More Show Less
    52 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026)
    Jan 26 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሎሚ ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ኮይኖም ዜግነት ዝወሰድ ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።
    Show More Show Less
    9 mins
  • ዘይዝረበሉ ዘሎ ከቢድ ሳዕቤን መስተ፡ ኣውስትራሊያዊ ምዃን ብድሆን ዕድላትን ፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ
    Jan 26 2026
    ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ።
    Show More Show Less
    33 mins
  • Australia’s summers being transformed as climate change drives heatwaves - ለውጢ ክሊማ ንሙቐት ሓጋይ ኣውስትራልያ እናጋደዶ ይኸይድ ኣሎ፣ እንታይ ክንገብር ኣለና፧
    Jan 25 2026
    Australian summers are undergoing what scientists call a "total transformation," with a new study from World Weather Attribution revealing the country can now expect heatwaves every five years on average. The study's researchers say climate change made Australia's blistering heatwave in early January five times more likely, and there's an urgent need for the country to adapt to changed conditions. The warning comes as the country's south-eastern states prepare for what's forecast to be a prolonged, severe heatwave starting this weekend. - ወቕትታት ሓጋይ ኣውስትራልያ ተመራመርቲ 'ምሉእ መስርሕ ምቕያር' ወይ 'ቶታል ትራንስፎርሜሽን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይሓልፉ'ለዉ፣ ካብ ትካል ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ እዛ ሃገርና ድሕሪ ደጊም ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ማዕበላት ሙቐት ክትጽበ ኣለዋ ክፍል ደምዲሙ። ተመራመርቲ'ዚ መጽናዕቲ ይብሉ ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ዝልብልብ ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ክኽሰት ዘነበሮ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ርጉጽ ክኸውን ገይርዎ፣ ናብ'ዞም ዝተለወጡ ኩነታት ድማ እዛ ሃገር ብህጹጽ ምቅይያራት ክትገብር የድልያ'ሎ። እዚ መጠንቀቕታ ዝመጽእ ዘሎ ደቡባዊ ምብራቕ ግዝኣታት ናይ'ዛ ሃገር ናብ'ቲ ኣብ'ዚ ቀዳመ ሰንበት ዝጀመረ ዝተናወሐን ዝበኣሰን ማዕበል ሙቐት ክኸውን ትንበያ ተገይርሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዝኣትዋሉ ዘለዋ እዋን'ዩ።
    Show More Show Less
    10 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026)
    Jan 22 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጹ ተጣበቕቲ ፡ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕግታት ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዚወርድ ነቐፌታ ንምዕፋን ከም ዘገልግል ይማጐቱ ። ኣብ ሱዳን ለበዳ ሕማም ዴንጊ ፌቨርን ብልዑል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ከቢድ ጸወታ ንሰርብያዊ መወዳድርቱ ሃማድ መድጀዶቪች ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙር ኣመሪሑ ።
    Show More Show Less
    10 mins
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026)
    Jan 22 2026
    ን ሎሚ 22 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብዛዕባ መበል 600 ዓመት ፅምብል ምስረታ ከተማ ዓዲግራት ካብ ኣቶ የማነ ተኽለማርያም ኣተሓባባሪ ቱሪዝም ናይታ ከተማ መብርሂ ክህብ ል ኡኽና ጸጋይ ክንፈ ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ኣብቲ ዝርርብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት ርክባት ህዝቢ ንዘላቒ ሰላም ከውዕሉዎ እቲ ሓላፊ ጸዊዑ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዘተኣታተዎ ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ ዝኾነ ሕጊ እገዳ ንቖልዑ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቚጸረ ኮይኑ ፡ ምስ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣውስትራሊያ ተሳንዩ እዩ ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፡ ክኢላታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መንእሰያት ተገራጫዊ ርእይቶታት ኣሎ ። ይኹን እምበር ፡ መንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ክጥቀሙ ብዙሕ ዕድል ስለ ዘይብሎም ፡ ትርፊ ግዜኦም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣልዉ ? ነዚ ዝጥምት ትሕቶውን ከነቕርብ ኢና። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ጥሪ 26 ብርግጽ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ? ንዝብል ሕቶ ክንምልስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጹ ተጣበቕቲ ፡ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕግታት ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዚወርድ ነቐፌታ ንምዕፋን ከም ዘገልግል ይማጐቱ ። ኣብ ሱዳን ለበዳ ሕማም ዴንጊ ፌቨርን ብልዑል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ከቢድ ጸወታ ንሰርብያዊ መወዳድርቱ ሃማድ መድጀዶቪች ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙር ኣመሪሑ ።
    Show More Show Less
    48 mins